Holy Redeemer Eritrean Catholic Gheez-Rite Chaplaincy መድኃኔ ዓለም ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሥርዓት ግዕዝ - ለንደን
                ፌስ ብክ
 
 
 
Coming Events!
 

* click here

 
መድኃኔ ዓለም ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሥርዓት ግዕዝ - ለንደን
Holy Redeemer Eritrean Catholic Gheez-Rite Chaplaincy
St. Aidan of Lindisfarne RC Church
85 Old Oak Common Lane
East Acton. London, W3 7DD
 
  Latest News!  
    * click here
   Home      faith

Blog by Abba Ephrem Andom
on the Year of faith [2012-2013]
እምነት ካብ ምስማዕ እያ፥
እቲ ዚስማዕ’ውን ቃል ክርስቶስ እዩ። (ሮሜ 10፡1)

+++

18 Nov 2013 NEW
፯ይን ናይ መወዳእታን ኣስተንትኖ ኣብ ዓመተ-እምነት

ንባብ፡ መልእኽቲ ናብ ዕብራውያን 1132-40

ኣብዛ ናይ መወዳእታ ክፋል ኣስተንትኖና ኣብ ልዕሊ መልእኽቲ ናብ ዕብራውያን ምዕራፍ መበል ዓሠርተው ሓደ፥ ጸሓፋይ እዛ
መልእኽቲ’ዚኣ ሓሳባቱ ጥቕልል ብዝበለ ኣገባብ ኣሕጺሩ ኪገልጽ እንከሎ ኢና እንረኽቦ። ከም እኒ ጌዴዎን፣ ባርቕ፣ ሶምሶን፣ ዮፍታሔ፣ ዳዊትን
ሳሙኤልን ዚኣመሰሉ ዓበይቲ መራሕቲ ሕዝቢ እስራኤል ብምጥቃስ ብዛዕባኣቶም ዘርዚሩ ኪጽሕፍ ጊዜ ከም ዘይብሉ ብምግላጽ፥ ብእምነቶም
ኪበጽሕዎ ዚኸኣልዎ ደረጃታት ብሓፈሻ ይዝርዝር። ነቶም ብዛዕባኣቶም ኣብ ብሉይ ኪዳን እነንብበሎም ኣርባዕተ ዓበይትን ዓሠርተው ኽልተ
ናእሽቱን ተባሂሎም ዚጽውዑ ነቢያት’ውን ብሓፈሻ እምበር ብዝርዝር ኣይዛረበሎምን። ከመይ፥ ንዅሎም በብሓደ እናዘርዘረ ኪገልጽ ጊዜ ስለ
ዘይረኸበ። የግዳስ “ንሳቶም ብእምነት መንግሥታት ሰዓሩ፥ ብቕንዕና መርሑ፥ ነቲ እግዚኣብሔር ኣተስፍይዎም ዝነበረ ረኸቡ፥ ኣፍ ኣናብስ
ዓጸዉ፥ ዚባላዕ ሓዊ ኣጥፍኡ፥ ካብ ስሕለት ሰይፊ ደኃኑ፥ ኣብ ድኻም በርትዑ፥ ኣብ ውግእ ኃየሉ፥ ሠራዊት ጸላእቲ ሰዓሩ፥ ...” (ቍ. 33-34)
ብዚብላ ሓጸርቲ ቃላት ነቲ ሳላ እምነቶም ዝጨበጥዎ ዓወት ይገልጽ። ብኽእለት ኃይሊ ወድ ሰብ ኪብጻሕ ዘይከኣል መስተንክር ዝኾነ ድንቂ
ተኣምራት ብኢድ እዞም ናይ እምነት ሰባት ተገብረ። ኣብ ጊዜኦም ኮነ ሎሚ’ውን ኣብ ዘመንና ኽቡር ታሪኾምን ዝኽሮምን ብኣንክሮ ተዘንትዩን
ይዘንተውን ኣሎ። ሳላ እቲ ጽኑዕ እምነቶም ድማ ስም እቲ ኣብ ልዕሊኦም ነቲ ዜደንቕ ተግባር ዚፈጸመ ኣምላኽ ቀደም ተመስጊኑ ሓጂ’ውን ጌና
ይምስገንን ይኸብርን ኣሎ።

ኣንበብቲ እዛ መልእኽቲ’ዚኣ ብዛዕባ እዞም ስሞም ዘይተጠቕሰ ናይ እምነት ጀጋኑ ኣጸቢቖም ይፈልጡ ስለ ዝነበሩ፥ በብሓደ ስሞም
ምዝርዛር ንጸሓፋይ’ዛ መልእኽቲ’ዚኣ ኣድላዪ ኾይኑ ኣይተራእዮን። ፍረ እምነቶም ግና ኣድላዪ ኾይኑ ስለ ዝተራእዮን ብሓቂ’ውን ስለ ዝነበረን፥
ብሓጺሩ’ኳ እንተ ኾነ፥ በብሓደ ኣዘንተዎ።

እዞም ጀጋኑ እምነት፥ ኣብ ልዕሊ ኣምላኽን ኣብ ትንሣኤ ምዉታንን ዚነበሮም እምነት ኣዝዩ ድልዱል ብምንባሩ፥ ክሳብ ዜስካሕክሕ
ሞት በጽሑ። ምእንቲ እምነቶም “ብዳርባ እምኒ ተቐትሉ፥ ብመጋዝ ተቘርጹ፥ ተሰይፎም ሞቱ፥ ኣጐዛ ኣባጊዕን ዲኖ ኣጣልን ተኸዲኖም ዞሩ፥
ሰኣኑ፥ ጸበቦም፥ ሓሳረ መከራ ጸገቡ።” (ቍ. 37) ብሓቂ ንዚኣምን ሓሳረ መከራ ምጽጋብ ኮነ ውርደት፥ ወይ’ውን ስቓይን ሞትን ኣየፍርሆን።
እኳ ድኣ የትብዖን የደልድሎን። ካብ ታሪኽ’ዞም ጀጋኑ እዚኣቶም’ውን ነዚ ኢና እንመሃር። ኣብ ቅድሚ እታ ኣማዕድዮም ዚጥምትዋ ሰማያዊት
ሃገሮም፥ እዛ ሓሳረ መከራ ዚጸገቡላ ዓለም ንኣኣቶም እትበቅዕ ኮይና ኣይተረኽበትን፤ ስለዚ ድማ “ኣብ ምድረ በዳን ኣብ እምባታትን ኣብ
በዓትታትን ኣብ ጐዳጕድ ምድርን ኰለል በሉ።” (ቍ. 38) እምነቶም ብኣፍ ጥራይ ዘይኮነ ብግብሪ’ውን ስለ ዝነበረ፥ ምእንቲ እምነቶም ብዘይ
ገለ ፍርሂ መስከሩን ተሠውዑን። ንዓና’ውን ዓቢይ ኣብነት ገዲፎምልና ኃለፉ።

እቲ ኣዝዩ ኬተባብዓናን ኬጸናንዓናን ዚግባእ ሓቂ ኸኣ፥ ወላ እኳ ንሳቶም ቅድሜና ናብ ዘለዓለማዊ ሕይወት እንተ ኃለፉ፥ ሕጂ’ውን
ጌና ብእምነት ምሳና ኣለዉ። ብዛዕባ እዞም ጀጋኑ እምነት እዚኣቶም ጸሓፋይ እዛ መልእኽቲ’ዚኣ ኣስዒቡ፥ “ምእንትዚ ንሕና ድማ ኽንድዚ
ዚኣኽሉ መሰኻኽር ከም ደመና ኸቢቦምና ስለ ዘለዉ፥ ንዅሉ እቲ ዚዓናቕፈናን ነቲ ዚጠብቀና ኃጢኣትን ነርሕቕ” ኢሉ ነንበብቱን ንዓናን
ይምዕደና። (ዕብ 12፡1) እወ፥ ብእምነቶም ዝተመስከረሎም እዞም እሙናት ኣገልገልቲ ኣምላኽ እዚኣቶም፥ ንሕና’ውን ኣብቲ ዓስቢ ዓወት ኽሳዕ
እንበጽሕ ይጽበዩናን ኣብ ዙርያና ኸቢቦም’ውን ይሕግዙናን ኣለዉ። እቲ ኣዝዩ መስለጢ ዚኾነ ጸሎቶምን ኣማላድነቶምን የሰንየናን ይሕግዘናን
ኣሎ። ቃል ኣምላኽ ከም ዜረጋግጸልና፥ “ጸሎት ጻድቕ ብግብራ ብዙኅ ተስልጥ እያ” (ያዕቆብ 5፡16)

እምበኣር ካብ’ዞም ተባዓት ሰብ እምነት እዚኣቶም ትምህርቲ ቀሲምና፥ ኣሰሮም ንስዓብ። እምነትና’ውን ካብ ሓሳብ ናብ ተግባር ከም
ዚሰጋገር ንግበር። እቲ እነምልኾ ኣምላኽና እግዚኣብሔር’ውን ንገድሊ እምነትና ይባርኸልና። ኣሜን።

ጸሎት፡- ኦ ኣምላኽ ኣቦታተይን ኣዴታተይን፥ ኣነ’ውን ከምኣቶም ብጽኑዕ እምነት ክስዕበካን ከመስግነካን ከምልኸካን ጸጋ እምነት ኣብዝኃለይ።
ካብቲ ናቶም ኣብነት ትምህርቲ ወሲደ፥ ብሓቅን ብመንፈስን ከም ዘምልኸካ ግበረኒ። ብምኽንያት ኣባኻ ዘላትኒ እምነት ስደትን መከራን ምስ
ዚበጽሓኒ፥ ፈሪሀ ንድኅሪት ክንዲ ዝምለስ፥ ብትብዓት ንቕድሚት ክስጕም ዜኽእለኒ ናይ እምነት ጸጋኻ ሃበኒ። ነቲ ብኣፈይ ዝገልጾ እምነተይ
ብሓሳባተይን ብተግባረይን ከም ዝነብረሉ ግበረኒ። ኦ ኣምላኸይ፥ ብዘይካኻ ሓንት’ኳ ጽቡቕ ፍረ ክፈሪ ከም ዘይኽእል ፈሊጠ ናባኻ ቐሪበ
ኣሎኹ’ሞ ብእምነት ነይረ ብእምነት ከም ዝመውት ዚገብረኒ ጽኑዕ መንፈስካ ኣብ ልዕለይ ስደደለይ። ኦ እተፍቅረኒ ኣቦይ፥ ነዚ ብእምነት
ዝገብሮ ዘሎኹ ጸሎት ብምሕረትካን ብፍቕርኻን ተቐቢልካ ከም እትባርኸኒ ኣሚነ፥ ብስም እቲ እተፍቅሮ ሓደ ወድኻ ጐይታይ ኢየሱስ
አመስግነካ ኣሎኹ።

ኵሉ ምስጋናን ኣምልኾን ስግደትን ካብ ዘለዓለም ንዘለዓለም፥ ንእግዚኣብሔር ኣብን፥ ወልድን፥ መንፈስ ቅዱስን ይዅን። ኣሜን ወኣሜን፤
ለይኵን ለይኵን።
 

18 July 2013

፮ይ ኣስተንትኖ ኣብ ዓመተ-እምነት

ንባብ፡- መልእኽቲ ናብ ዕብራውያን 11፡30-31

ኣብዘን ኽልተ ፍቕድታት እዚኣተን ዝተገልጸ ታሪኽ እምነት ደቂ እስራኤል ካብ መጽሓፍ ኢያሱ ወዲ ነዌ ዝተወስደ እንኪኸውን፥ ዋና ተዋሳኣይን መራሒን ሕዝበ-እግዚኣብሔር ባዕሉ ኢያሱ እዩ። ኢያሱ ንሙሴ ተኪኡ ንሕዝቢ እስራኤል ናብ ምድሪ ከነኣን ኣቢሉ ኣብ ዚመርሓሉ እዋን ንተጻረርቲ ሕዝቢ ኣምላኽ ብእምነት ኣጽነተ። ነታ ጽንዕቲን ዕርድቲን ዓባይን ኸተማ ኢያርኮ ብዘይ ውግእ፥ ጠሓሒሱ ክኃልፋን ምርኮ ኪመቅልን ዘብቅዖ፥ ኃይሊ እምነትን ምስጋናን እዩ ዚነበረ።

 

ብብዝኁን ኃይሉን ዓቕሙን እቲ ብኢያሱ ዚምራሕ ዝነበረ ሕዝቢ እስራኤል ንቀጽሪ ኢያሪኮ ኬፍርሶ ክእለት ኣይነበሮን። እቲ ኣብ ውሽጡ ዝነበረ ኃይሊ እምነት ግና ንዝኾነ ይዅን ጸገምን መሰናክልን ጠሓሒሱ ኪኃልፍን ንዅሎም ጸላእቱ ኬጥፍእን ኣኽኣሎ።

 

ኣብ ውሽጢ ከተማ ኢያሪኮ ተቐማጢት ዝነበረት እታ ኣመንዝራ ረኣብ በቲ ዝተዋህባ ጸጋ እምነት ነቲ ኪመጽእ ዝነበሮ ዕንወት ከተማኣ ኣቐዲማ ኽትርኢን ምስ ሕዝቢ ኣምላኽ ኽትጽንበርን ከኣለት። በዚ’ውን ካብ ጥፍኣት ንርእሳን ቤተሰባን ኣድኃነት። እምነታ ካብቲ ጥሒላቶ ዝነበረት ሕይወት ከም እትወጽእን ምስ ቅዱስ ሕዝቢ ኣምላኽ ከም እትቝጸርን ገበራ።

 

እምነት፥ ነቲ ዘይከኣል ከም እትኽእሎ ትገብረካ፣ ካብ ኃጢኣት ናብ ጽድቂ ከም እትሰጋገር ትገብረካ፣ ካብ ጥፍኣት ናብ ትርጉም ዘለዎ ናብራ’ውን ተሰጋግረካ።

 

ጸሎት፡- ኦ እግዚኣብሔር ኣምላኸይ ካብቲ ተመላሊሱ ዜውድቐኒ ውዱቕ ልምድታተይን ፈተናታተይን ክርሕቕን ምሳኻ ጠቢቐ ኽነብርን ዜኽእለኒ ሰማያዊ እምነት ሃበኒ። ነቲ ኣብ ቅድመይ ከም ቐጽሪ ኢያሪኮ ዝተገተረ ጸገማተይ’ውን ብኃይሊ እምነት ከም ዘፈራርሶ ግበረኒ። ኦ ኣምላኸይ ንስኻ ወትሩ ምሳይ ከም ዘሎኻን በቲ ንስኻ እትህበኒ ጸጋ’ውን ንዅሉ ከም ዝኽእሎን ዝሰግሮን እኣምን እየ። ኣሜን።     

18 Nov 2012

ንባብ፡- መልእኽቲ ናብ ዕብራውያን 11፡23-29

ኣብዛ መልእኽቲ’ዚኣ፥ ታሪኽ ሙሴ በቲ ወለዱ ኣብ ልዕሊ ኣምላኽ ዝነበሮም ጽኑዕ እምነት ይጅምር። ወለዱ ንሠለስተ ወርኂ ኃቢኦሞ ንኽጸንሑ ዝገበሮምን ትብዓት ዝሃቦምን እምነት እዩ። ነቲ ሕፃን ኃቢኦሞ እንተዝርከቡ ነይሮም፥ ኣብ ከቢድ ሓደጋ ምወደቑ ነይሮም። እምነቶም ግና ነቲ ሓደጋ ክጥምቱ ዘይኮነስ፥ ክንየው እቲ ኃደጋ ዘሎ ካብ ፍቕሪ ዝነቐለ በረኸት ኣምላኽ ንኽጥምቱ ኣኽኣሎም። እምነት ክንየው እቲ ኣብ ጥቓኻ ዘሎ መከራን ጭንቅን ኣማዕዲኻ ንመደብ ኣምላኽ ከም እትጥምት ትገብረካ። ካብቲ ሓጺርን ጊዜያዊ ዝኾነን ናይ ተብተብ ምፍትሒ ጸገም፥ ናብቲ ዘለዓለማውን ነባርን ሓቀኛን ዝኾነ መፍትሒ ኣምላኽ ከም እትጥምት ትገብረካ።

እዚ ኣማዕድዩ ዚጥምት ሓቀኛ ራእይ ካብ ወለዲ ሙሴ ናብ ሙሴ’ውን ከም ዝተመሓላለፈ ስዒበን ዝመጻ ፍቕድታት የነጽራልና። ሙሴ’ውን ብወገኑ ወዲ ጓል ፈርኦን ኸይበሃል ነቲ ኣብ ኢዱ ዝነበረ መሰል ንግሥና ብእምነት ይነጽጎ። ካብ ሃብቲ ግብጺ ነቲ ሰማያዊ ውርሻ ኪመርጽ ዝኸኣለ’ውን ሳላ እምነቱ እዩ። እምነት ነቲ ብባህርያዊ መንገዲ ኽትገድፎ ዘይትኽእሎ ምድራዊ ሃብታት ብቖራጽነት ከም እትገድፎ ትገብረካ። ነቲ ምሳኻ ጠቢቑ ምግዳፍ ዝኣብየካ ልምዲ ኃጢኣት ራህሪህካ ከም እትድርብዮ ትገብረካ።
 
እቲ ብዛዕባ ሙሴ “ንጊዜኡ ብኃጢኣት ባህ ካብ ዚብሎስ ምስ ሕዝቢ ኣምላኽ መከራ ኺጸግብ ኃረየ” (ዕብ 11፡25) ዝተባህለ፥ ንኣና ዓብይ ኣብነትን ብድሆን ይኾነና። ብሓጸርቲ ሥጋውያን ራእያትን፥ ዘላቒነት ብዘይብሎም ናይ ሃትሃታ ውሳኔታትን፥ “ንኣይ እንተ ጠዓመኒ እንታይ ብዛዕባ ኻልኦት እንታይ ገደሰኒ፧” ብዚብልን ኣብ ፍትወት ገዛእ ርእስኻ ብዝተመሥረተን ኣጕል ፍልስፍናን ከይንምለኽ እንተ ደኣ ደሊና፥ ካብ ጅግና እምነት ዝኾነ ሙሴ ንመሃር። ንጊዜኡ ብኃጢኣት ካብ እንረኽቦ መታለሊ ሓጐስን ስላጠትን፥ ነቲ ብብዙኅ ጭንቂ ዚርከብ ኣብ ሓቀኛ ራእይ ኣምላኽ ዝተመሥረተ መደብ ሕይወት ንስዓብ። ሙሴ ነቲ መሰላቱ ምእንቲ ኣምላኽን ሕዝቡን እንኪገድፍ፥ ብዙኃት ስሒቖምሉን ኣዋሪዶሞን ይኾኑ። እምነቱ ግና ክንየው እዚ ዅሉ ተርእዮ ነይራ። ንኣምላኽ ባህ ዜብል ሕይወት ኽንነብር እንተ ደኣ ደሊና፥ ካልእ ምርጫ የብልናን። ብኃጢኣት ካብ ዚርከብ ጊዜያዊ ሓጐስ ርእስና ኣውጺእና ምእንቲ ኣምላኽናን ቤተ ክርስቲያኑን ብእምነት ሓሳረ መከራ ኽንጸግብ ንምረጽን ንወስንን። ከምዚ ዝኣመሰለት እምነት እዚኣ ድማ እያ ንኣምላኽ ባህ እተብሎን እተሥምሮን።

ንጸሊ፡- ኦ እሙን ኣምላኸይ፥ ብሕይወተይ ባህ ከብለካ እናደለኹ ምግባሩ ግና ይጽግመኒ። ድኻመይን ብኣነነት ዝተጠቓዕኩ ምዃነይን ተኣሚነ ብትሕትና ናባኻ እቐርብ ኣሎኹ። ኣምላኸየ፥ ክንየው ጸገማተይ ኣማዕድየ ክርኢን ብናትካ መደብ ጥራይ ክምራሕን ጸጋኻ ኣብዝኃለይ። ንኣኻ ባህ ዜብል ነገር ጥራይ ባህታ ልብን መንፈስን ከም ዚህበኒ ግበረለይ። ብዘይ እምነት ነዚ ክረኽቦ ከም ዘይኽእል ቃልካ ይነግረኒ እዩ’ሞ እምነት ወስኸኒ። እዚ ኸኣ ብስም እቲ እተፍቅሮ ሓደ ወድኻ ኢየሱስ ክርስቶስ እልምነካ ኣሎኹ። ኣሜን።

1 Nov 2012
ንባብ፡- መልእኽቲ ናብ ዕብራውያን 11፡8-22

 

እምነት ኣብርሃምን ሣራን ይስሓቕን ያዕቆብን ዮሴፍን ኣብዛ ጥቕሲ ቅዱስ መጽሓፍ እዚኣ ከም ኣብነትን ትምህርትን ይቐርበልና። እዞም ናይ እምነት ሰባት እዚኣቶም፥ ዝወጠንዎን ዝገበርዎን ኵሉ ብእምነት ከም ዝተሓለነን ዝተገብረን ኣብዛ ጥቕሲ’ዚኣ ብንጹር ይንገረና። ነቲ ብክእለትን ሓሳብን መደብን ሰብ ክዉን ኪኸውን ከቶ ዘይክእል ነገር፥ እዞም ሰባት እዚኣቶም ክኢሎሞን ጌሮሞን ጥራሕ ዘይኮነስ፥ ኵሉ መዋዕል ዘመኖም በቲ ኣብ ኣምላኾም ዝነበሮም ነቕ ዘይብል እምነት፥ ነይሮምን ተመሪሖምን።
 
ጸሓፋይ እዛ መልእኽቲ’ዚኣ ብዛዕባ ሣራ ኣብ ዚዛረበሉ፥ “ሣራውን ጊዜኣ እኳ ኃሊፉ እንተ ነበረ፥ ነቲ ተስፋ ሂብዋ ዝነበረ እግዚኣብሔር ስለ ዝኣመነቶ ኽትጠንስ ብእምነት ኃይሊ ረኸበት” ይብለና (ዕብ 11፡11)። እወ፥ እምነት ኃይሊ ይህብ፣ ኃይሊ የዕጥቕ፣ ጽንዓት ይህብ (ቁ. 13)። ነቶም ብእምነት ዝነበሩን ዝሞቱን ከኣ ኣምላኽ ባዕሉ ዘለዓለማዊት ከተማ ኣዳልዩሎም ኣሎ (ቁ. 16)።

እዞም ጀጋኑ እምነት እዚእቶም፥ ብዛዕባ ዝሓለፈ ሕይወቶም ኮነ ብዛዕባ እቲ ኪመጽእ ዘለዎ፥ ከምኡ’ውን ብዛዕባ እቲ ኣብ ኢዶም ዝነበረ ህሉው ጊዜ ብዘይካ ብእምነት ብናይ ሥጋ ትውክልቲ ይምርሑ ስለ ዘይነበሩ፥ ብሕይወቶም ንኣምላኽ ኣኽቢሮሞን ዕዉት ናብራ’ውን መሪሖምን። ኣምላኽ ድማ ብወገኑ ንኣኣቶም ኣኽቢርዎም።

 
እወ፥ ሎሚ ብእምነት እንተ ነበርካ፥ ጽባሕ ብእምነት ኽትመውትን ብእምነት’ውን ካብ ምዉታት ኽትትንሥእን ትኽእል ኢኻ።
 
ንጸሊ፡- ኦ ሕያው ኣምላኸይ፥ ኣምላኽ ኣብርሃምን ሣራን ይስሓቕን ያዕቆብን ዮሴፍን፥ ሎሚ ብእምነት ኽነብርን ብሕይወተይ’ውን ንኣኻ ኬኽብረካን፥ ኣብ መወዳእታ ሕይወተይ’ውን ብእምነት ናብ ዘለዓለማዊ ሕይወት ምእንቲ ኽሳገርን፥ ጽኑዕ ጸጋ እምነት ሃበኒ። ብዘይ እምነት ንኣኻ ኬስምረካ ስለ ዘይክእል፥ ብእምነትካ ምልኣንን፥ ኣደልድለንን፥ ኣጽንዓንን። ኣሜን።
 
21 Oct 2012
ንባብ፡- መልእኽቲ ናብ ዕብራውያን 11፡4-7

መልእኽቲ ናብ ሰብ ዕብራውያን ምዕራፍ መበል ፲፩፥ ኣብ ብሉይ ኪዳን ናይ ዚርከቡ ጀጋኑ እምነት ናይ ዝኾኑ ሰባት ታሪኽ ሕይወት ከም ኣብነት ተቕርበልና።

መሥዋዕቲ ኣቤል ብእምነት ስለ ዝቐረበ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅቡል ኪኸውን ከኣለ። ሄኖክ ሳላ እምነቱን ቕዱስ ሕይወቱን ንሞት ከይጠዓማ ብነፍስን ሥጋኡን ብኣምላኽ ናብ ሰማይ ተወስደ። ኖኅ’ውን ሳላ እምነቱን ጽድቁን ንሕይወቱን ሕይወት ቤተ ሰቡን ኣድኃነ፤ ዘርኢ ኣዳም ካብ ገጽ ምድሪ ከይጸንት’ውን ምኽንያት ኮነ።
 
ናይዞም ሠለስተ ሰባት እምነት ኣብ ምቕራብ መሥዋዕቶምን፣ ዕለታዊ ናብራኦምን፣ ናይ መጻኢ ሕይወቶም ትምኒትን ራእይን ትጽቢትን ዓቢይ ጽልዋ ስለ ዝነበሮ፥ ብዅሉ ናብራኦም ንኣምላኾም ኬኽብሩን ኬሐጕሱን ተረኽቡ። እምነቶም ግብራዊ እምበር ኣፍኣዊ ጥራይ ኣይነበረን። ብሕይወቶም ንኣምላኾም ስለ ዘኽበርዎ፥ ኣምላኽ ብወገኑ ኣኽበሮም። ንሕና’ውን ኣምላኽ ብኣና ኪኸብርን ኪሕጐስን እንተደኣ ደሊና ምውጻእ ምእታውና ብእምነት ዘተሰነየ ከም ዚኸውን ኽንገብር የድልየና። ከመይ፥ ቃል ኣምላኽ ከም ዚብለና፥ “ብዘይ እምነት ግና ንኣምላኽ ኬሥምርዎ ኣይከኣልን” ክንዲ ስለ ዝኾነ (ዕብ 11፡5)። 
ንጸሊ፡- ኦ እግዚኣብሔር ኣምላኸይ፥ ኣብ ኵሉ ሃለዋተይ፥ ኣብ ምውጽአይ ኮነ ምእታወይ፥ ኣብ ሓሳበይ ኮነ ተግባረይ፥ ኣብ ዝሰምዖ ኮነ ኣብ ዝዛረቦ፥ ኣብ ሥርሐይ ኮነ ኣብ ዕረፍተይ፥ ኣብ ምሕንጻጽ መደባተይ ኮነ ንመደባተይ ኣብ ምትግባረይ፥ ንኣኻ ብእምነት ከም ዝጥምትን ዝእዘዝን ግበረኒ። ንኣኻ ምእንቲ ኬሥምር፥ ብእምነት ከም ዝጐዓዝ ግበረኒ። ኣሜን።  
18 Oct 2012

ንባብ፡- መልእኽቲ ናብ ዕብራውያን 11፡1-3

 

ኣብዛ መልእኽቲ’ዚኣ እንታይነት እምነት ብሓጺሩ ተገሊጹልና ይርከብ። እምነት ምስ ተስፋ ትዓዪን፥ ካብተን ኃሙሽተ ናይ ስምዒት ሕዋሳትና ወጻኢ ንዘሎ ብዓይኒ ዘይርአ፥ ብእዝኒ ዘይስማዕ፥ በእዳውካ ዘይድህሰስ መንፈሳዊ ኵነት ብርግጸኛነት ከም እትፈልጦ ትገብረካን። ካብቲ ግዙፋዊ ዓለም ክንየው፥ ብሥጋ ዘይብጻሕ መንፈሳዊን መለኮታዊን ሕይወት ከም ዘሎ ብዘይ ገለ ጥርጥር ኣረጊጽካ ከም እትርኢ ተገብረካ።

 

ብዘይካ እምነት፥ ነመጻጽኣ ዓለም ኮነ ንኣፈጻጽማኣ ኽትርድኦን ኽትፈልጦን ኣይከኣለካን። ንናይ ወድ ሰብ መሠረታዊ ሕቶ፥ ማለት፥ “መን እዩ ዝፈጠረኒ፧” “ናበይ ኣቢለ እየኸ ዝጐዓዝ ዘሎኹ፧” “መወዳእታ እዚ ዅሉ ዓለምከ እንታይ ኮን ይኸውን፧” ንዚብላ ተረርትን መሠረታዊ ዝኾና ሕቶታት ብእምነት ጥራይ ኢኻ ሓቀኛን ምሉእን መልሲ ኽትረኽበለን እትኽእል። ስለዚ፥ ንፈጣሪኻ “ኦ ጐይታይ ጸጋ እምነት ሃበኒ” ወይ ከኣ “እምነት ወስኸኒ” ኢልካ ምልማን ባህርያዊ ጸሎት እንኪኸውን፥ ብግድን እውን ዝኾነ ሰብ ኪጽልዮ ዚግብኦን ጸሎት እዩ። ብዘይ እምነት፥ ጕዕዞ ወድ ሰብ ኣቕጣጫ ዝሰሓተን ኣልቦ ዕላማን ኾይኑ እዩ ዚተርፍ።

 

ንጸሊ፡- ኦ ፈጣሪየይ ዝኾንካ ኣምላኸይ፥ ንኣኻ ኽፈልጥን ዕላማ ሕይወተይ ኽርዳእን ፍሉይ ጸጋ እምነት ክትህበኒን እልምነካ ኣሎኹ። ናይ ሕይወተይ ጀማርን ፈጻሚኡን ንስኻ ከም ዝኾንካ ኣጸቢቐ ኽርኢን ከምቲ ናትካ መደብን ፍቓድን ምእንቲ ኽነብርንሲ፥ ብእምነት ከም ዝዓቢ ግበረኒ። ኣሜን።   

17 Oct 2012

ንባብ፡- ወንጌል ማርቆስ 10፡46-57

ኸምቲ ቃል ኣምላኽ፥ “ኣታ ደቂስካ ዘሎኻ (ካብ ድቃስካ) ተበራበር፥ ካብ ምዉታት’ውን ተንሥእ፥ ክርስቶስ ከኣ ኬብርሃልካ እዩ” (ኤፌ 5፡14) ዚብል፥ ኣብ’ዚ ዓመት እምነት ካብ መንፈሳዊ ድቃስን ሞራላዊ ሞትን ውድቀትን ክንትንሥእ ድላይ ቤተ ክርስቲያን እዩ። ብዘይ ብርሃን ኣምላኽ ኣጽሪና ኽንርኢ ስለ ዘይንኽእል፥ ምስቲ ዕዉር ባርጢሜዎስ ኾይንና፥ ብእምነት፥ ንጐይታ ብርሃናት፥ “መምህር ክርኢ እደሊ ኣሎኹ”ንበሎ (ማር 10፡51 ርአ)። ንሱ’ውን ከምቲ ንባርጢሜዎስ ዝበሎ፥ “ኪድ፥ እምነትካ ኣሕወየትካ” ኪብለና እዩ (ማር 10፡52)። ባርጢሜዎስ ሳላ እምነቱ ብኡብኡ ረኣየ። እምነት እንተሎና ንሕና’ውን ብኡብኡ ሕውየትን ምልኣትን ኽንረክብ ንኽእል ኢና። ከምቲ ባርጢሜዎስ(ወዲ ጢሜዎስ) ዝገበሮ፥ ብኡብኡ ርኢና’ውን ኣብ መንገዲ ንጐይታ ኽንስዕቦ ንኽእል። ድሕሪ ፈውሲ፥ ምግልጋል ናይ ግድን እዩ። እምነት- ፈውሲ (ምልኣት) - ኣገልግሎት፥ ተኣሳሲረን እየን ዚኸዳ።

ንጸሊ፡- ኦ ጐይታ ብርሃናት መንፈሳዊ ዑረተይ ከተወግደለይን ንኣኻ እናርኤኹ ክስዕበካን ጸጋ እምነት ክትዕድለኒ እልምነካ ኣሎኹ። ኦ ኢየሱስ ብኣኻ እኣምን እየ፤ ግዳስ ዛሕሊ እምነተይን ስንፍናይን ኣርሕቐለይ። ኣሜን። 

 
 
 

 .

·ሓዋርያት ድማ ንጐይታ “እምነት ወስኸና” በልዎ። (ሉቃ 17፡5)

 
·እኣምን እየ፥ ግና ጉድለት እምነተይ ኪርሕቀለይ ደግፈኒ። (ማር 9፡24)
 
·እምነት ነቲ ብተስፋ እንጽበዮ ነገር ከም እንረኽቦ ዜረጋግጽ፥ ነት ዘይርአ ነገር ከኣ ከም ዘሎ ዜረድእ እዩ። (ዕብ 11፡1) 
 
·ጻድቃን ግና ብእምነት ይነብሩ። (እንባ 2;4) 
 
·እቲ ናተይ ጻድቕ ግና ብእምነት እዩ ዚነብር። (ዕብ 10፡38) 
 
·ነቶም ናይ ቀደም ሰብ ብእምነቶም እዩ ዝተመስከረሎም። (ዕብ 11፡2)
 
·ኵሉ ዓለማት ብቓል ኣምላኽ ከም ዝተፈጥረ፥ እቲ ዚርአ ድማ ካብ ዘይርአ ኸም ዝተፈጥረ ብእምነትኢና እነስተውዕሎ። (ዕብ 11፡3)
 
·ብዘይ እምነት ግና ንኣምላኽ ኬሥምርዎ ኣይከኣልን እዩ። (ዕብ 11፡6)
 
·እቲ ናብ ኣምላኽ ዚመጽእ ኵሉ፥ ኣምላኽ ከም ዘሎ፥ ዘቶም ዜናድይዎ ኸኣ ዓስቢ ኸም ዚህቦም ኪኣምንይግብኦ። (ዕብ 11፡6)
 
·እምነት ካብ ምስማዕ እያ፥ እቲ ዚስማዕ’ውን ቃል ክርስቶስ እዩ። (ሮሜ 10፡17)
 
·ኣብርሃም ብእግዚኣብሔር ኣመነ እሞ፥ እዚ ጽድቂ ኾይኑ ተቘጽረሉ። (ሮሜ፡ 4፡3, ዘፍጥ15፡6)
 
·ኤልሳቤጥ ንማርያም “እቲ ካብ እግዚኣብሔር ዝተነግረኪ ቓል ከም ዚፍሰም ስለ ዝኣመንኪ ብፅዕቲ ኢኺ” በለታ። (ሉቃ 1፡ 45)
 
·ብጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ እመን፥ ንስኻን ስድራኻን ድማ ኽትድኅኑ ኢኹም። (ግብረ ሓዋ16፡31)
 
·እቲ ዝኣመነን ዝተጠምቀን ኪድኅን እዩ፤ እቲ ዘይኣመነ ግና ኪዅነን እዩ። (ማር 16፡16)
 
·ሥጋ ብዘይ መንፈስ ምውቲ ከም ዝኾነት፥ እምነት’ውን ብዘይ ግብሪ ምውቲ እያ። (ያዕ2፡26)
 
·እቶም ከይረኣዩ ዚኣምኑ ብፁዓን እዮም። (ዮሓ 20፡29)
 
·ኣመንኩ ስለዚ ተዛረብኩ፤ ኣዝየ ተጨኒቐ ነበርኩ። (መዝ 116፡10)
 
·ኣማኒ እምበር ዘይኣማኒ ኣይትኹን። (ዮሓ 20፡27)
 
·ንስኻትኩም ግና ኣቱም ፍቁራተይ፥ በታ ኻብ ኵሉ ዝተቐደሰት እምነትኩም ንርእስኹም እናሓነጽኩም፥ ብመንፈስ ቅዱስ ጸልዩ። (ይሁዳ 20) 
 
·ብእምነት እምበር ብምርኣይ ኣይኮንናን እንነብር ዘሎና። (2ቆሮ 5፡7)

 

 

Menu 2

 

Yearly Prayer Retreat
202(17th)
202(16th)
202(15th)
202(14th)
202(13th)
2019 (12th)
2018 (11th)
2017
(10th) 
2016 (9th)
2015 (8th)
2014 (7th)
2013 (6th)
2012 (5th)
2011 (4th)
2010 (3rd)
2009 (2nd)
2008 (1st)
-
2006 (***)

ቪዲዮ
ስዕሊ
 
ፌስ ብክ
Like us on Facebook 
and get updated
ናይ ሰንበት ንባብ
Video 
ቅዳሴ

ምህለላ ዘፍልሰታ

ዓርቢ ስቅለት ምህለላ MP3

 

 
-----------------------------------------------------------------------------------------------------------